News from the Eritrean Democratic Party

News from the Eritrean Democratic Party

ኩላትና ንሕበር፣ ስለ ድሕነት ሃገር!!!

NewsPosted by Admin Sep 02, 2018 11:07:57




እዚ ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ብረታዊ ቓልሲ ህዝባን፣ ብኸቢድ መስዋእቲ ብሉጻት ደቃ ዝመጸት ኤርትራ ሃገርና፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ጊዜ ንላዕሊ ሕጂ፣ ብዘይ ዉዓ ሕደር፣ ሓገዝ ደቃ የድልያ ኣሎ።

ብሉጻት ደቃ ነታ እንኮ ህይወቶም ከይበቐቑ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወናኒ ህይወቱን መጻኢኡን ኮይኑ ተኸቢሩ ዝነብረላ፣ ናተይ ዝብላ፣ ልዑላውነታ ዝተረጋገጸት ሃገር ንኽውንን፣ በጃ ተወፊዮም ሓሊፎም ከብቅዑ፣ ሕጂ ምኽንያቱ ብርግጽ ብዘይተፈልጠ፣ ካብኡ'ውን ውርዙይነት ኣዝዩ ብዝጎደሎ እጋባብ ካብ ኢድና ትሞልቀና ስለዘላ፣ ሃየ ግዜ እንከሎ ግዜ ከይተጸበና፣ ንሳነ ንምከር ብድሕሪኡ ከኣ ብሓደ ንለዓል፣ ንበገስ።

ስዉኣትናን ስንኩላን ሓርነትናን ጊዴኦም ገይሮም ኢዮም፣ ንክብርታት ቃልስና ማለት ንልዐላውነት ሃገር ንኪረጋገጽን ድሒሩ ድማ ልዕልና ሕጊ ንኽህሉን፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ንኽህልዉን፣ ንብቑዋም ትመሓደር ሃገርን፣ ተሓታትነትን፣ ግሉጽነትን ንኽነግስ ኢዮም ተበጅዮምን ሰንኪሎምን። ስለዚ ተሪፉ ዘሎ ናትና ግደ ኢዩ።

ይኹንደኣምበር ንሕና ግና ካብቲ ኣብ ዝባንና ዝርከብ ሰፍ ዘይብል ሕድሪ ስዉኣትናን ስንኩላትናን ዝኾነ ይኹን ኣየፋኾስናሉን ጥራይ ዘይኮነ ብኣንጻሩ መኣዝንና ብምስሓት ነንሕድና ክንተሓናኾል ነዚ ብህዝቢ ዘይተመርጸ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ከም ቃሕታኡ ከከላብቶን ክኣስርን ክቐትልን ኣማስያኡ ከኣ ንዓና ንተቓወምቲ ውድባት ንጌለና ካብቲ ቅድሚ 27 ንጌለናን ከእ ካብቲ ቅድሚ 37 ዓመት ዝነበርናዮ ኩነት ፍሕት ከምዘይንብል ጌይሩ ስለዘልመሰና ሕጂ ልዐላውነት ሃገርና ንኢትዮጵያ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተቓውሞ ንኸረክባ ኣዚዩ ጥጡሕ ባይታ ስለ ዝፈጢርናሉ ሕጂ ኣብ ዋጋ ዕዲጋ ኣውሪድዋ ይርከብ ኣሎ ።

እሞኸ ሕጂ እንታይ ኢዩ እቲ ዝግበር?

እቲ ዝግበር እምበኣር፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ`ውን ኪንገብሮ ዝግበኣና ዝነበረን ግን ከኣ ዘይገበርናዮን ኢዩ ካልእ ኣይኮነን። እንተኾነ ግና ኣዚና ደንጒይና ስለዘለና ውሕሉልነትን ምትዕጽጻፋትን ምስትውዓልን ብልሕን ክጠልበና ኢዩ እምበር ኪንገብሮን ኪነርክበሉን ንኽእል ኢና ንብል።

እቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ ሃገር ኢዩ ኪጅምርን ኪመጽእን ዜግባእ፣ እንተኾነ ኣተሓሕዛ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ህዝባዊ ናዕቢ ንኽውደብ ፈጺሙ ዘየፍቕድ ኣተሓሕዛ ስለዘሎ፣ ናትና ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሕና ንርከብ፣ ኣብ ሓደ ተጠርኒፍና ብሓብር ምስራሕን ኪጠልበና ኢዩ።

ህዝብና ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝርከብ፣ እንተ ደኣ ከም ዓረ ዝተረረ ሓድነት መስሪትና፣ ብሓደ መሪሕነት፣ ብሓደ ናይ ሓባር ጭርሖ፣ ብሓደ ዕላማ ብሓደ ኣጋብባብ ቃልሲ፣ ተበጊስናን ኣድማዕን ዕዉትን ተቓውሞ ኪነመዝግብ እንተሪኡ፣ እቲ ኣብ ዲያስፖራ ካብ ዝርከብ ህዝብና እቲ ዝበዝሐ ክፋል፣ ኣይ ምስ ተቓውሞ ኣይ ምስ ህግደፍ ዘሎ ግልብጥ ኢሉ፣ ካባና ነዓ ተወደብ ዝብል ጻውዒት ከይተጸበየ ኣብ ጎድንኹም ኮይነ እጃመይ ከበርክት ኢየ፣ ከምዝብል ዋላ ንኻልኢት'ውን ትኹን ጥርጣረ የብልናን።

እዚ ክፋል ህዝብና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ምስተጸንበረ እቲ ተሪፉ ዘሎ እቲ ንስለ ከይንጸል ኢሉ ከይፈተወ መዓንጣኡ እንዳሓረረ ኣብ ፌስታታት ህግደፍ ዝሳተፍ ዝነበረ ኣማራጺ ስለዝረክብ ናብቲ ሓቀኛን ህዝባዊ ቃልሲ ንኽሳተፍ መሪጹ ክጽንበረና ምዃኑ ኣይንጠራጠርን።

እዚ ሴናርዮ`ዚ ከኣ ምስቲ ዳርጋ መዳርግቲ ኣልቦ ከምዝኾነ ዝንገረሉ፣ ቅያ ተጋደልቲ ኤርትራ፣ ኣብ 1988፣ ዓንዲ ሕቆ ደርጊ ሰይሩ ናጽነት ጭቡጥ ከምዝኸውን ዝገበረ፣ ሕጂ ከኣ ደንበ ተቓውሞ `ውን ንውድቀት ህግደፍ ርጉጽን ናይ ግድን ከምዝኸዉን ዘረጋግጸሉ ኩነት ምፈጠረሞ ፣ እቲ ዚያዳ ኩላትና ብዓል ጉዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ዜጋ፣ ሕጂስ ይኣክል ኢሉ ንመስዋእቲ ተዳልዩ፣ ኣንጻር ህግደፍ ሳቮያ ኢሉ ከምዝለዓል ዘካትዕ ሕቶ ኣይኮነን። ገዳይም ተጋደልትን፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓለፍቲ መኮንናትን ዓይኖም ከይ ሓሰዩ ምተበገሱ።

ኣብዚ ምናልባት ገርሂ ሰብ፣ ከምዚ ትብልዎ ቀሊል እንተዝኸዉን ደኣ፣ ስጋብ ሕጂ መን ኢዱ ሒዝዎ ኔይሩ ክብል ይኽእል ይኸዉን፣ እቲ መልሲ ግን ብዘየወላዉል፣ ቅድም ደኣ፣ ንመን ኣሚኑ ኪብገስ ደሊኻዮ እያ እታ መልሲ።

ሓድነት ዘይነበሮ ነንሒድሒዱ ዝካሰስን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንስልጣን ሃረፍረፍ እንዳበለ ኪቀዳደም ሓድነትን፣ ስኒትን፣ውህደት ውድባቱ ይኹን ኣብ ምውዳብን፣ ምንቕቓሕን ምምራሕን ህዝቢ ንዘይነበረ ደንበ ተቓውሞ ደኣ ከመይ ጌሩ ኣሚኑ ክብገስ።

ሕጂ ግን ይኣክል ቅድድም ንስልጣን ደምበ ተቃውሞ ኢልና ፣ ቁጽሪ ሓደ ዝስራዕ ዕዮ ቤት ዘለና፣ ሓቢርካ ንሓገርና ካብ ጥፍኣት ምድሓን ጥራይ ኢዩ ኪኸዉን ዘለዎ። ኣብዚ ሰዓት`ዚ ልዕሊኡ ዝስራዕ ኣጀንዳ የብልናን።

ካብኡ`ውን ምምሕዳር ወይ ምምራሕ ሃገር ብቕዓትን ክእለትን ዝሓትት ጉዳይ እምበር ጥራሕ እታ ዕድል ትረኸብ እምበር ኣይጽግመንን ኢዩ ኢልካ ተበጊስካ ትዕወተሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ዓሻ ጥራይ ኢዩ ከመኡ ኢሉ ዝሓስብ። ዘይሓስብን ኣይንገድ ይብሉ ኣቦታት!

መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ደኣ፣ ኣይኮነን ዶ ሃገር ትኣክል ከመሓድሩስ ይትረፍ፣ ንነኣሽቱ ውድባቶም'ውን ብግቡእ ከማሓድሩ ኣይበቕዑን፣ ብቕዓት ኔይሩዎም እንተዝኸውን ቀደም ኣብ 2001 ብዘይ ሙሉእ ሓድነት ናይ ኩለን ተቓወምቲ ማሕበራት፣ ህግደፍ ኪለግስ ከምዘይክእል ተረዲእናኣስ ቀደም ኣብ ሓደ ማሕበር ተጠርኒፍና ንህዝብና ካብ መቑሕ ህግደፍ ኣገላጊልናዮ ምሃለና። ነዚ ኣዚዩ ቀሊል ምስጢር ዓወት'ዚ ንምፍላጡ ይኹን ንምርድኡ ዝኾነ ይኹን ነዊሕ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ናይ ሮኬት ሳይንቲስት ምዃን ኣይሓትትን ኢዩ፣ ግን ንጽህና ልቦናን በሊሕ ኣእምሮን ጥራይ ኢዩ ዝሓትት። ህግደፍ እዃ ምስ እዚ ኩሉ ተሞክሮኡን ጥርኑፍን ውሁድን ውዳቤኡ፣ ንኤርትራ ፈጺሙ ከመሓድራ ኣይከኣለን።

ለባማትን በላሕትን መራሕቲ ተቓውሞ፣ ነቲ ቃልሲ ብመንገዲ ስጡም ሓድነት ኣብ መዕለቢኡ ኣብጺሖም፣ ንኺኢላታት ደቂ ሃገር ብህዝቢ ተመሪጾም ንኸመሓድሩዋ ባይታ ኢዮም ዘጣጥሑ። በንጻሩ ግን ብልሒ ዝጎድሎም መራሕቲ ተቓውሞ ነዚ ብህዝቢ ዘይተመርጸ ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ከየልገሱ መን ተቐበላ ነታ ኩርሲ ይቐዳደሙ። ዝጠስጠሰ ሓንጎል ጥራይ ኢዩ፣ ነዚ ከስተብህል ዘይክእል።

ከምዚ እብ ኤርትራ ዘጋጠመ፣ ጀጋኑ ተሰዊኦምን ሰንኪሎምን ዘምጽኡልና ናጽነትን ሓርነትን፣ ብውሑዳት በጋሚዶታት ኪጨወ እንከሎ፣ ስራሕ ደንበ ተቓውሞ (ኣብ ዱያስፖራ) ዶ ኣይኮነን ኔይሩ ንህዝቢ ወዲቡ፣ ኣንቂሑ ኪመርሕ ዝግባኦ።

ግደ ሓቂ ክንዚረብ እንተኾይኑ፣ በጋሚዶታት ህግደፍ ካብቲ ባዕላቶም፣ ህዝቢ ቆጽሊ ከየንበረሎም ዝተወጥሕዎ ኮረሻ ስልጣን ቀሊል ክንሱ ከመይ ከምዝወርዱ እኳ ንርዳእን ንፈልጥን ኣይንመስልን። ብፍላይ ገሌኤን ውድባት፣ ብመሰረት ኣጋባብ ቃልሰንን ተግባራተንን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ ህግደፍን፣ ተቃውሞን ፍልልይ ኪርኢ ከምዘይክእል ዝገበርኦ ባዕላተን`ዶ ኣይኮናን?

ኣብ ክንዲ ምጥርናፍ ምብትታን፣ ኣብ ክንዲ ብሓባር ምስራሕ ንስልጣን ምቅድዳም፣ ኣብ ክንዲ ቅኑዕ ኣገባብ ቃልሲ (ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ) ምምራጽ ግጉይን ጎነጻውን ኣጋባብ ቃልሲ ምምራጽ፣ ቅድሚ ዝኣገረ ንኤርትራውያን መንእሰያት ምቕታልን ምቕዛፍን፣ ካብኡ`ውን እቲ ምቕታል ከይኣክል ቀቲልና ኢልካ ክትጀሃርሲ ምስ ምንታይ ይቑጸር፣ ነቲ ኣብ ዙርያና ኪዓስል ዝግብኦን ንደልዩን ህዝቢ፣ ካባና ከምዝርሕቅን ዝሃድምን ዝገበረ መን ዲዩ? ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ዶ ኣይኮናን?

መወዳእታ ዘይብሉ ጌጋታት ስለዝፈጸምና ኢና፣ ከካብቲ ዝተበገስናሉ እዋን፣ ክሳብ ሕጂ ዋላ ስድሪ'ውን ትኹን ንቕድሚት ክንስጉም ዘይከኣልና። ካልእ ይትረፍ ነቶም ህግደፍ ኣኼባታትና ንኽዘርጉን ከፍርሱን ኢሉ ዝሰዶም ልኡኻቱ (ጃሱሳት) ክነለልዮም´ውን ብቕዓት ስለዘይብልና ዶ ኣይኮነን ኣብ ክንዲ ከም እሾኽ ነቒስና ነውጽኦም ብኣንጻሩ ከም ተራ ኣባላትን ሓለፍትን ውድባትና ኮይኖም ዒንክሊል ዘብሉና ዘለዉ።

ሎሚ ግን ኣበጊሱና ዘሎ ጉዲይ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ድሕነት ሃገር ወይ`ውን ቀጻልነት ሃገር ምርግጋጽ ስለዝኾነ ኣብ ምውንጃላትን ምትዕንቃፋትን ኪንኣቱ ድሉዋት የለናን፣ ዝሓለፈ ይኣክል። ዝሓለፈ ጉድለትና ከይንደግም ካብ ምዝኽኻር ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ከይውሃቦ ሓደራ እንዳበልና፣ እጅገና ሰብሲብና ንዕዮ ቤትና ሃየ ነጻፍፍ ንብል።

ሃገር ካብ መሸጣ ክነድሕን እንተኾይና፣ ሓድነትና ሙሉእ ሓድነት ብዘይ ቅድመኩነትን ብዘይዉዓል ሕደር ኪትግበር ኣለዎ በሃልቲ ኢና፣

ብልጫታት ናይ ሓድነት ከምቲ ሓደ በሊሕን መስተውዓልን ኤርትራዊ ዮናስ ኣርኣያ ዝበሎ ድምጺ ናይ ሕቡራት ኣዝዩ ዓው ይብል (ብድምቀት ዝስማዕ ይኸውን)፣ ነተኩሮትካ ኣዝዩ ንጹር ይገብሮ፣ ቅልጽምካ ፈጺሙ ዘይምናዕ ይኸዉን፣ ሓይልታትካ ውህደት ይህልዎም፣ ሓድነትካ ከም ዓረ ዝተረረ ይኸውን፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ፍልልያትካ ባዶ ይኸውን (ዘዋጥጥን ዘባእስን ዘይብልካ ትኸውን)፣ መጻኢኻ ርጉጽ ይኸውን፣ ዕላማኻ ዝብጻሕ ከምኡ`ውን ንህዝቢ ክትገልጾ ቀሊልን ህዝቢ ተረዲኡ ክስዕበካ`ውን ቀሊል ይገብሮ።

ነዚ ክትገብር ግን ብመሰረቱ ስልጣን ናይ ህዝቢ እምበር ናትካ ከምዘይኮነ ኣሚንካ ክትብገስ ናይ ግድን ኢዩ። ነዚ ድሕሪ ምግባር ደምበ ተቓውሞ ከይ ወዓለ ከይ ሓደረ ካብ ልኡኻት (ጃሱሳት) ህግደፍ ፈጺሙ ናጻ ኪኸዉን ኣለዎ፣ ብፍላይ ብፍላይ ኣብ ናይ ሓላፍነት ጽፍሕታት ኪህልዉ ዝኽእሉ።

ብድሕሪኡ እዚ ብኢትዮጵያ ዝተበገሰ መዕለቢኡ ዛጊት ዘይተፈልጠ ግን ከኣ ንምጉባጥ ልዑላውነት ኤርትራ`ውን ዝመስል፣ ፈጺሙ ጠገለ ዘይብሉ ኣካይዳ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ብዝምልከት፣ እንተ ነቲ ጻውዒት ሰላም፣ ህዝቢ ኤርትራ ቅኑዕ ጻውዒት ሰላም ስጋብ ዝኾነ ኪቕበሎ ጸገም የብሉን፣ እኳደኣ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ሰላም ሓሪማቶ ሰለዘላ ልዕሊ ኩሉ ይደልያ፣ ብዝተረፈ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ናፊቓቶ ስለ ዘላ ሰላም ብዝብል ምስምስ ከይተረድኦ ኣዳህሊልና ናብ መጻወድያና የእቲና ልዐላውነት ሃገሩን ባንዴራኡን ነበረ ያ ነበረ ኪንገብረን ኢና ዝብል እንተኾይኑ ግን ኣይፋል ኢትዮጵያ ተጋጊኹም ኣለኹም ጥራይ ኢና ንብሎም። ስለምንታይሲ ብጽሕቲ ጓል ዝሓዘን መሬቱ ዝተሓድገን ደቂሱን ኣይሓድር ስለ ዝኾነ።

ልዐላውነት ሃገርና ንምውሓስ ንተቓወምቲ ማሕበራት ጥራይ ዝምልከት ወይ ዝተሓዝዐ ቴማ ዘይኮነ ከም ሃገራውያን ዋላ ነቶም ስጋብ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ደገፍቲ እዚ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መንግስቲ ኤርትራ`ውን ዝምልከት ጉዲይ ምዃኑ ኪንርስዕ የብልናን ስለዚ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅሬታ ዝሓለፈ ንፋስ ይውሰዶ ኢልና ሃገር ንምድሓን ብሓባር ክንሰርሕ ኢድና ክንዝርግሓሎም ከምዘለና ኪንግንዘብ ይግባእ።

እቲ ዘገድስ ተጻረርቲ ሓይልታት ከምዝነበርና ዘይኮነ እቲ ልዐላውነት ሃገርና ንኽነውሕስ ብሓባር ምስራሕና ኢዩ ዘገድስ።

ዘላቒ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኪግበር እንተኾይኑ

1. ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብዘይ ውዓል ሕደር ካብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ኪስሕቡ ኣለዎም

2. ምምልካት ዶብ ኣብ ዝቐልጠፈ ኣብ ግብሪ ኪዉዕል

3. ምፍታሕ ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን እሱራት ኣብ ዝቐልጠፈ ምእዋጅ

4. ምብቃዕ እቲ ገደብ ኣልቦ ዝኾነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምእዋጅ

5. ምትግባር ሃገራዊ ቅዋም ብዘይ ዉዓል ሕደር

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ

2018 07 25





  • Comments(0)//news.selfidemocracy.net/#post101