News from the Eritrean Democratic Party

News from the Eritrean Democratic Party

ሃለዋት ንሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ዝተቆጻጸሩ ወትሃደራት

NewsPosted by Admin Feb 08, 2013 23:11:42

08.02.2013

21 ጥሪ 2013 ዓም ኣብ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣትዮም ንህንጻ‘ቲ ቤት ጽሕፈት ዝተቆጻጸሩ ኣባላት ሰራዊት፣ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ደንጎሎ ተኣሲሮም ከምዘለው ተገሊጹ።

ብርጋዴር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ ንቪኦኤ ካብ ስዊድን ከምዝገለጾ፣ ኣብ ማእሰርቲ ክልተ ኣባላት ሰራዊት ተሰዊኦም ከምዘለዉን ግን ከኣ ። ንድሕነት ስድራ-ቤቶም በዚ ሬድዮ ኣቢለ ከርድእ ስለዘይደሊ ንጊዚኡ ካብ ምግላጹ ኪቑጠብ ኢየ ይብል።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ መላእ ኤርትራ፣ኣኼባታት እናተካየደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰርኩላር ዝርርብ ይግበር ከምዘሎን፣ዕላምኡ ድማ ንድምጺ ተቃውሞ ሰራዊት ንምግምጋምን ኣለሊኻ ንምእሳሮምን ዝዓለመ ምኻኑ ጠቂሱ።

  • Comments(0)//news.selfidemocracy.net/#post65