News from the Eritrean Democratic Party

News from the Eritrean Democratic Party

ጋዜጣዊ መግለጺ ብኣካዲት ኣኼባ ከተማ ስቶክሆልም

NewsPosted by Admin Feb 11, 2013 23:34:32

ትማሊ ቀዳም ዕለት 9 ለካቲት 2013 ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብ ፖሊቲካውን ብርገሳውን ውልቀሰባትን ኣብትሕቲ ተማ

ኩልና ፎርቶ 2013 ኢና!

ህዝቢ ይወደብ ይንቃሕ ይቃለስ!

ብዝብል ጭርሖ

ዕዉት ኣኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ስዊደን ተኻዪዱ።

እቲ ኣኼባ ኣብ መኽፈቲኡ ብዛዕባ ፎርቶ ወተሃደራዊ ስርሒት ምስቲ ዝሓለፈ ናይ 1980 ክሳብ 1990 ኣብ ሃገራት ምዕራባውያንኣፍሪቃ ዝነበረ ተራ ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላት ንውድቀት ምልካውያን ስርዓታት ብምዝማድ ሕጽር ዝበለ መብርሂ ብኣካየድቲ ኣኼባተዋሂቡ።

ቀጺሉ ድማ ኣብቲ ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ስርሒት ፎርቶ ተጋቢኡ ሰፊሕን ልዙብን ክትዓት ኣካዪዱ

እቲ ኣኼባ ንተረኽቦ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና ብኣባላት ሓይልታት ምኽልካል ዝተፈጸመ ስርሒትንምልካዊ ስር ዓት ኢሳያስ ዘንቀጥቀጠ ንቃልሲ ደለይቲ ለውጢ ድማ ፍናኖም ሓፍዘበለ፣ ናይ ሓደ መዓልቲ ተረኽቦ ዘይኮነስ ውጺኢትእኩብ ድምር ናይቲ ብውሽጥን ብደገን ክካየድ ዝጸንሔ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደምክራስያ ምዃኑ እምነቱ ምዃኑ ኣረጋጊጹን ደገፉንገሊጹ።

እቲ ኣኼባ ብኣትኩሮ ብመስረት እቲ ዘቅረብዎ ጠለባት ጠለብ ሕዝቢ ኤርትራ ምዃኑ መቀጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ተረኽቦ 1993ብተጋደልቲ ዝቀረበ፣ ቀጺሉ ድማ ብኣባላት መንግስትን ሓለፍትን ብ2001 ዝቀረበ ድምጽናን ደምጺ ሕዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ድማኣስሚሩሉ።

እቲ ኣኼባ ቀጺሉ ነቲ ክካየድ ዝቀነየየን ዘሎን ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም፣ ንቃልስና ዘበራትዕ፣ንምልካዊ ስርዓት ድማ ዘምክኽ፣ሰለዝኾነ ካብ ሎሚ ንንየው ስርዓት ኢሳያስ ዝበለ እንተበለ ከይስማዕና ናህና ኣስተዋጽኦ ንግበር ብዝብልተረድኦ ብናይ ሓባር ውሳነታት ወጺኡ።

ዕላማ ናይ ሎሚ ኣኼባና ነቲ ተላዒሉ ዘሎ ወተሃደራዊ ምልዕዓል ከመይ ገርካ ምስቲ ኣብ ደገ ዘሎ ኣዋሃሂድካ ንድሕነት ህዝብን ሃገርንካብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንግበሮ ዝብል ብምንባሩ እቲ ኣኼባ ከምዚ ዝስዕብ ውሳነታት አሕሊፉ።

1. ዓብይ ሰላማዊ ሰልፊ ን ዕለት 7 መጋቢት 2013 ካብ ስረግልስ ቶርይ ክሳብ ፓርለማ

2. ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀኣንስትዮ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ሰልፊን ተሳቲፍካ ናብ ኤርትራ ዝድሃበ ጽሑፋት ምዝርጋሕ

3. ብምኽንያት መዓልቲ ደቀኣንስትዮ ዕለት 9 መጋቢት ኣብ ዝግበር ባህላዊ ምሽት ምስታፍ

ነዚ ውሳነታት ንምትርጓም እቲ ኣኼባ ቀጻሊ ናይ ምክትታል ሕዝባዊ አኼባታት ክካየድ ወሲኑ ብኡ መሰረት ድማ ንዕለት 23 መጋቢት2013 ካል ኣይ ዙር ሕዝባዊ ኣኼባ ክካየድ ወሲኑ።

ለበዋታት ኣኼባ፣

1. እቲ ንድህነት ህዝቢ ኤርትራ ንገብሮን ኣብ ንቅመጣ ሃገረ ስዊደን ዘድልየና ማህበራዊ ጉዳያት ኣብ ዝዝምልከቶ ምቅራብ ኣገዳሲምዃኑ፣ ማህበራዊ ጉዳያት ዝምልከቶ ኤርትራዊ ማህበረ ሰብ ከምዘሎ ንኡ ምውካስን ምሕታትን

2. እቲ ሕዝባዊ ውደባ ዝብል ድማ ምስቲ፡ዝጸንሔ ዳግመ ስርርዕ ኮይኑ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጸንሔ ምስፋሑን ንኩሉ ከምዝሳተፍ ምግባሩን

3. ቀጻሊ ናይ ዘተን ምውህሃድን ስራሓት ክካየድ

ኣገደስቲ ለበዋታት ድማ ኣመሓላሊፍ

አካያዲት ህዝባዊ ኣኼባ

ከተማ ስቶክሆልም ስዊደን

على الشعب أن يتأطر ويكتسب الوعي ويناضل

إن العملية التي قامت بها وحدات من الجيش يوم الاثنين 21 يناير 2013 في مبنى وزارة الإعلام هزت أركان النظام الديكتاتوري وبعثت الأمل في نفوس قوى التغيير. إن هذا الحدث ليس وليد اليوم، بل جاء نتيجة للنضالات الدؤوبة التي ظلت تخوضها قوى التغيير في الداخل والخارج للتخلص من الديكتاتورية وتحقيق الديمقراطية. وقد جاءت استمرارً لحركة الجيش في 1993، ثم الحركة المطالبة بالإصلاح الديمقراطي التي قام بها عدد من الوزراء والمسؤولين في النظام . عبرت عملية فورتو عن صوتنا وصوت جماهيرنا الإرترية قاطبة. كما أن التظاهرات السلمية العارمة التي تقوم بها الجماهير الإرترية في جميع أنحاء العالم ضد النظام الديكتاتوري تعتبر خطوة جديدة نحو تعزيز للنضال ضد الديكتاتورية وتحقيق التغيير الديمقراطي المنشود. وانطلاقا من كل ذلك فإننا مطالبون اليوم بتصعيد النضال أكثر من أي وقت مضى، ويأتي اجتماعنا اليوم في سياق البحث عن السبل الكفيلة للتنسيق بين حركة الجيش في الداخل والحراك السياسي في الخارج وصولاً إلى إنقاذ الشعب والوطن من براثنትርጉ

ኣካያዲት ኣኼባ

ከተማ ስቶክሆልምን ከባብን

  • Comments(0)//news.selfidemocracy.net/#post67