News from the Eritrean Democratic Party

News from the Eritrean Democratic Party

ወከልቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ኣኼባ ALNEF

NewsPosted by Admin Aug 12, 2013 11:06:01



09.08.2013

ወከልቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ኣኼባ ALNEF ዕዉት ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዶም

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ካብ ዕለት 22 ክሳብ 26 ሓምለ 2013 ኣብ ርእሰ ከተማ ማሊ ባማኮ ዝተገብረ ኣኼባ ሰክረታሪያት ALNEF – African Left Networking Forum ተሳቲፉ። ኣብ ናይዚ ዓመት ኣኼብኡ ድማ፡ ንጸብጻባት ሱዳን፡ ኬንያ፡ ማሊ፡ ቡረኪና ፋሶ፡ ስነጋል ከምኡውን ኤርትራ ሰሚዑ። ወከልቲ ሰልፊ ዴሞከራሲ ኤርትራ ንታሪኻውን እዋናውን ብደሆታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ካብ ኣባላት ሰክረታርያት ንዝቀረበሎም ሕቶታት መሊሶም። ብተወሳኺ ኣባላት ሰክረታርያት ንምዕዋት እዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ሒዝዎ ዘሎ ቃልሲ ሓጋዚ እዩ ዝብልዎ ርእይቶታትውን ኣቕሪቦም።

ALNEF – African Left Networking Forum ምትእክኻብ ጸጋማውያንን ፓን ኣፍሪቃውያንን ውድባት ኮይኑ፡ ንህልውን እዋናውን ጉዳያት ኣባላት ሃገራትን ከምኡውን በዳህቲ ኣህጉራዊ ሕቶታት ኣፍሪቃ ገመጊሙ፡ ንምፍትሖም ኣማራጺታት ብምንዳፍ ንምዕዋቶም ድማ እማምታት ናብ ኣባላቱ ዘቕርብ ውዳበ እዩ። ALNEF ንኣስታት ሰላሳ ውድባት ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ምትእኽኻብ ኮይኑ ብሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዋ ካብ ኣባላት ውድባት ዝተዋጽአት ሰክረታርያት ድማ ይመሓደር። ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ካብ 2010 ጀሚሩ ኣባል እዚ ምትእኽኻብ እዩ።

ክፍሊ ዜና

ሰልፊ ዴሞክራሲ ኤርትራ





  • Comments(0)//news.selfidemocracy.net/#post69