News from the Eritrean Democratic Party

News from the Eritrean Democratic Party

ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ክልተ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ከምዝኣሰረ ተፈሊጡ

NewsPosted by Admin Nov 09, 2014 22:31:34



ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣቢሉ ንክልተ ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝኾኑ ካህናት ማለት ኣባ ኢዮብ ገሬሱስ፡ ሓላፊ ቤት ማሕተም ፍራንቸስካናን ከምኡ`ውን ንኣባ ተስፋይ ደባስ ፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ዘማሕበረ ካፑቺኒን ካብ መንበሪ ገዛውቶም እንዳጋፋዕካ ብምውሳድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ብዘሰቅቕ ኩነት ኣሲርዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብፍላይ ኣባ ኢዮብ ገሬሱስ ብሰንኪ ጉድለት ጥዕና መድሃኒት ብቀጻሊ ምውሳድ ከምዘድልዮም ፍሉጥ እኳ እንተኾነ ካብዚ ስርዓት`ዚ ክንክን ጥዕና ኪረኽቡ ኢዮም ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ግፍዕን ማእሰርትን ኣብ ልዕሊ እዞም ንጹሃት ካህናት ዝወርድ ዘሎ ከኣ ገለ ኣበሳ ስለዘለዎም ዘይኮነስ ብሰንኪ እቲ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝወሰድዎ ተባዕ መንፈሳዊ ሓላፍነት ማለት ብትብዓት ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ከምዘለዉ ዝሕብር መተሓሳሰቢ ጽሑፍ ስለዝዘርጉሑ ከምዝኮነ ካብ ዝኾነ ይኹን ሕሊና ዘለዎ ሰብ ዝተኸወለ ኣይኮነን።

እዚ ብህዝቢ ዘይተመርጸ ስርዓት ዝኾነ ይኹን ተጻዋርነት ስለዘይብሉዩ እምበር ነቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ በቲ ቅኑዕ መንፈሱ እንተዝርድኦ ነይሩ፡ ነቲ ዝግበር ዘሎ ጉድለታት ንኬዐርዮ ጽቡቕ መምርሒ ለባማት ንመፍትሒ እቲ ጸገማት ኢዩ ምኾኖ ነይሩ፡ ይኹን እምበር ምስቲ ግናይ ባህሪ ናይ`ዚ እከይ ስርዓት ስለዝይከይድ ብጌጋ ብምርዳእ ኣብቲ ብሓቒ ዝመልኮ እከይ ግብሪ ማለት ኣብ ሕነ ምፍዳይ ተዋፊሩ ከምዘሎ ንዝኾነ ብሩህ ኢዩ።

እዚ ከኣ ብኹሉ ሕሊና ዘለዎም ዜጋታት ኪኹነን ዝግብኦ እከይ ግብሪ ኢዩ።

ገብርኤል ሓጎስ



  • Comments(0)//news.selfidemocracy.net/#post71